Flüchtlingsrat NRW e.V. (NRW ናይ ስደተኛ ምኽሪ ቤት) ናይ ሰብአዊ መሰል ድርጅት ኮይኑ ምስ ናይ ናይ መንበሪ ኩነታቶም ዘይተረጋገፁ ስደተኛታት መሰል እዩ ዝሰርሕ። ነናይ ስደትን በረራን ከም ነባራይ ጉዳይ ገይርና ንምፍላጥ እዩ ፃዕርና ከምኡ ውን ማዕረ ዝኾነ ናይ እቶም ስደተኛታትን ዑቕባ ሓተትቲ ሰባትን ማዕረ ዝኾነ ማሕበረ ሰባዊ ተሳትፎ ክህልዎም ምግባር። እቲ ናይ ስደተኛታት መኽሪ ቤት ናይ ዘርኣዊነት ተቓዋሚ እዩ ፓርዥያን ወይ ዲኖሚንዥያን ኣይኮነን።

ከም ናይ ስደተኛታት ምኽሪ ቤት፣ ናይ እቶም ስደተኛታት ድሌታት ኣብ ቅድሚ እቶም ሚኒስተራት፣ ምምሕዳርን ፖለቲካዊ ውሳነ ምውሳንን ናይ ግዝኣት NRW ነቕርብ፣ ናይ ህዝባዊ ርክባት ስራሕ ብዛዕባ እቲ ናይ ስደተኛታት ኩነታት ኣብ NRW ዘለዉን ኣብ መበቆልዓዶም ዘጋጥሞም ዝበረን ንምርዳእን ክበሃል ንሕና ኢና ንሰርሖ። ክሳብ ሕጂ፣ ናይ ሚድያ ርሊዛት ነሐትም፣ ኣብ ሆምፔጅና ሓበሬታታት ነቕርብ ብኢ-መይል  ናይ ምክፍፋል ዝርዝርን፣ ናይ ፅሑፍ ሰነዳት እውን ነቕርብ።

ናይ ዑቕባ ሓተትቲ፣ ናይ ስደተኛታት ምህዞታት፣ ብዓርሶም ዝተዳለዉ ድርጅታትን ውልቀ ሰባትን ጉጅለ ኢና። ግዜኣዊ ኣኼባታት ሓሳብ ምስ በዓልሞያትት ንምልውዋጥ ክዳለዉ እዮም፣ ንኣብነት፣ እቲ ኣብ ዓመት ሽዱሽተ ግዘ ዝካየድ ሓፈሻዊ ኣኼባ። ናይ ሓደሽቲ ምህዞታት ምፍጣር ንሕግዝን ብፖለቲካዊ ነገር ብብዓሎም ዝተደራጀዉ ስደተኛታት እውን ንቕበል።

መቑሽሽ: ናይ Flüchtlingsrat NRW e.V. ጉጅለ ብሮሸር

ኣብ ናይ 2016 ጉጅለ ብሮሸር፣ ናይ እቲ ሓበሬታ ማእኸልን ናይ እቲ ምህዞ ስደተኛታት ናይ North Rhine-Westphalia ካብ ምምሕዳራት ነፃ ኮይኖም ዝሰርሑ ኣድራሻ ነሰባስብ ኣለና ኢና።

ኣብ ናይ ቢሮ ብሮሸር፣ እዚ ዝስዕብ ኣድራሻ ትረኽቡ ኢኹም:

  • ናይ እቲ ሓበሬታ ማእኸልን ናይ ስደተኛታት መህዞን ኣብ NRW ኣረኣእያ: ኣብ ናይ Arnsberg፣ Detmold፣ Düsseldorf፣ Cologneን Münsterን ኣውራጃታት
  • ናይ ወፃእተኛታት ምዝገባ ማእኸላይ ምምሕዳር
  • Psycho-social ግልጋሎት ንስደተኛታት
  • ናይ ተመላሲ ናይ ምኽሪ ግልጋሎት ማእኸል
  • ናየ በዓል ሞያ ምኽሪ ኣገልግሎት ማእኸል ንናይ ሰባት ምዝውዋር
  • ፌደራላዊ ናይ ስራሕ ጉጅለ (BAG): ዑቕባ ኣብ ቤተ ክርስትያን
  • ናይ እቲ ፌደራላዊ ግዝኣት ናይ ስደተኛታት ምኽሪ ቤት

ናይ Flüchtlingsrat NRW e.V. ጉጅለ ብሮሸር ኣብ ኦንላይን ብ PDF እውን ምርካብ ትኽእሉ ኢኹም:

http://www.frnrw.de/fileadmin/frnrw/media/downloads/netzheft-aktuell.pdf 

ዝበለፀ ሓበሬታ ኣብ ናይ ስደተኛታት ምኽሪ ቤት ቢሮ ትረኽቡ ኢኹም፣ ብ e-mail ወይብቴሌፎን:

Geschäftsstelle Flüchtlingsrat Nordrhein-Westfalen e. V.
Wittener Straße 201
44803 Bochum
Telefonnummer: 0234 - 587315 6
Faxnummer: 0234 - 587315 75
e-mail: This email address is being protected from spambots. You need JavaScript enabled to view it.
Website: http://www.frnrw.de/